ናይ ስልጠና መደባትና
ንሕረተሰብና ንምሕጋዝ ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ዘጠቓለለ ንውህደትን ንህዝባዊ ኣገልግሎታትን ብግቡእ ብምፍላጥን ብምጥቓምን ንመዓልታዊ ንጥፈታት ሂወቶም ንምምሕያሽ ዝተዳለዉ ናይ ኦንላይን መደባት ነቕርብ። መደባትና ንፍሉይ ድሌታት ሕብረተ ሰብና ኣብ ፈረንሳ ንምምላእ ዝተዳለዉ ኮይኖም፡ ኣብ ተግባራዉነትን ኣድማዕነትን ትኹረት ዝገበሩ እዮም።
እቲ ስልጠነ ክልተ ካፋላት ዝሓዘ እዩ።
1) ናይ ቓል ትምህርቲ ምምራሕ መኪማ (ኮድ)
ኣብዚ ናይ ኮድ ትምህርቲ ንሕጊ ተራፊክ ካብ ፈረንሳ ብግቡእ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተርጒምና ብምምሃር ንፈተና ነደልወኩም። ፈተና ክትፍተኑ ድማ ክልተ ኣማራጺ ኣለኩም። ነቲ ሕጊ ተራፊክ ብቋንቋ ትግርኛ ጽቡቕ ገርኩም ተማሂርኩም ፈሊጥኩሞ ስለዘሎኹም ብፈረንሳ ትፍተኑ ወይ ድማ ብፈረንሳ ክብርተዓና እዩ እንተኢልኩም ተርጓማይ ገርኩም ብትግርኛ ትፍተኑ።
2) ስልጠና ዉህደትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን
እዚ ስልጠና እዚ ኣብ ፈረንሳ ብግቡእ ክንወሃሃድ ዝሕግዙና ዛዕባታት ዘጠቓለለ ኮይኑ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ዘተኮረ እዩ።
ኣብ ፈረንሳ እንዳነበርና ብግቡእ ክንፈልጦምን ክንጥቀመሎምን ዘለና ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ከም
-
France travail
-
CAF
-
CPAM
-
OFPRA
-
Préfecture
-
ትምህትን ሞያን ንዓበይትን ቆልዑን
-
ካልእን ዘጠቓለለ እዩ።
ምስክርነት (Témoignages)

ሰላም ድራር ሓወይ ሳላ ናይ ቃል መምርሒ ፍቓድ መኪና ብትግርኛ ምስኻ ስለዝተማሃርኩ ፡ ፈተና ብትግርኛ ብተርጓማይ ተፈቲነ 38/40 ብምምጻእ ኮደይ ሓሊፈ።
እዚ ዉጽኢት ኣብዚ ግዜ እዚ ፈረንሳ ጽቡቕ ገረ ስለዘይመልኽ ኮድ ክሓልፍ ምተጸገምኩ ነይረ። ስለ'ዚ ብጣዕሚ የመስግነካ ብዙሕ ሓጊዝካኒ ጽቡቕ ኣበርክቶ ብጣዕሚ ሕጉስቲ እየ ደጊመ የመስግነካ ድራር።
Selam Brhane, Nantes

ሰላም ድራር ሓወይ ፥
ስመይ ኣማሓዳሪ ይበሃል ተማሃራይ #ኮድ ናይ ማኪና እየ። ድራር ሓዊና ከኣ ንትህበና ዘለኻ ስልጠና ከመስግነካ ይደሊ፡ በዓል ሙሉእ ተስፋ እየ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም ዝዕወት፡ ሳላ'ቲ ብሉጽ ትምርትኻ።
እቶም ናይ ኮድ ጸገም ዘለኩም ምጹ ናብ ድራር ፐጅ ብትግሪኛ ከም ድልየትኩም ጌሩ ከረዳኣኩም እዩ፡ብዝቐለለ መንገዲ።
Amehadari, Cholet
ሰላም ድራር ሓወይ ብጣዕሚ ጽቡቅ ትምህርቲ ኢኻ ትምህር ዘለኻ። ብዙሕ ምሂርካናን ኣፍሊጥካናን ኢኻ እሞ ቀጽሎ። ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሕካ ክንርእየካ ከኣ ተስፋ ይገብር። ኣነ ብወገነይ ኩሉ'ቲ ትህቦ ስልጠና ብጣዕሚ ጽቡቅን መሃርን ኮይኑ ረኺበዮ ንኻልኦት ድማ ክማሃሩ የተባብዕ።
Yordanos Tesfay, Bordeaux
ሰላም ኣምላኽ ንዓዂም ይኹን!
ካብዚ ትምህርቲ ብጣዕሚ ተጠቒመ እየ። ኣምላኽ ረዲእኒ ኮድ ሓሊፈ ኣብ ምዝዋር ኣሎኹ። ድራር ሓወይ ድማ ብጣዕሚ ተገዲሱ እዩ ዝምህር። ኣነ ድማ ከመይ ከምዝጠቀመኒ ይምስክር ኣሎኹ።
ተባረዂ!
Selam, La Roche-sur-Yon
ሰላም ሰላም ድራር ሓወይ ትህበና ዘለኻ ፍልጠት ኣዝዩ ጽፉፍን እሩምን ብምኻኑ የመስግነካ። ኣብዚ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ናይ (ቃል) ዘይተሳተፉ ካልኦት ጉዱሳት ክሳተፉ ይላቦ የቀንየለይ።
Yordanos ANDOM, Nantes
ስላም ንኣኹም ይኹን ኩቡራት ኣሕዋተይ ተዛረብቲ ትግሪኛ።
ኣነ ሓብትኹም ኣልማዝ ዝተባሃልኩ ተቀማጢት ናንተ ኮይነ፡ምስ ሓውና ድራር ድማ ስልጠና ናይ ምምራሕ መኪናን ውህደት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ይመሃር። ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ሓውና ድራር ብዝተማሃርክዎ ናይ ቃል (ምምራሕ መኪና)ድማ ክሓልፍ ኪኢለ። እዚ ድማ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ ኩላትና እቶም ምስኡ ዝተማሃርና ብዓወት(ብጽቡቕ)ኢና መርመራና እንዛዝም።
ስለዚ ሎሚ ምስክርነተይ ንኽህብ ዘገደደኒ ነገር እንተሎ፡ነቶም ቋንቋ ናይዛ ሃገር ንዝጽግመኩምን ነዚ መደብ እዚ እውን ንዘይትፈልጥዎ ኣሓትን ኣሕዋትን ምእንቲ ክትጥቀሙን ክትረብሑን ኢለ እየ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። ከምኡ ውን እቲ ትምህርቲ ብትግርኛ፡ እቲ መርምራ እውን ብትግርኛ እዩ። ስለዚ ነቶም እናደለኹም ግን ክእለት ወይ ፍልጠት ዝሓጽረኩም ከምዚ ኸማይ ዓቢ ብስራት አበስረኩም ኣለኹ።
ብተወሳኺ እውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝግለጽክዋ ብዛዕባ (ውህደትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን)ዝብል ስልጠና ኣሎ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ብዛዕባ መሰላትናን ሕጊ ናይዛ ሃገርን ብዕሙቅ ዝበለ እንፈልጠሉን እንርድኣሉን እዩ።
ስለዚ ንኩሉኹም መጻኢ ሂወትኩምን ውሉድኩምን ንትግደሱ፡ ንኽትሓብሩና ብኽብሪ ንዕድመኩም ።
Almaz, Nantes
ኣነ ክብሮም ሰሎሙን ዝተበሃልኩ ምስ ድራር ኮድ ተማሂረ ሓሊፈ ኣለኩ። ኮድ ክትመሃሩ ንትደልዩ ናብ ድራር መጺኩም ተምሃሩ ብትግርኛን ብፈረንሰኛን ብግቡእ ከረድኣኩም እዩ። ኣነ ሕጂ ኣብ ምዝዋር ኣለኩ ከማይ የማስልኩም የቀንየለይ።
ካብ ልቢ የመስግነካ ድራር ሓወይ!
Kibrom Solomon, Cholet


